Friday, 26 January 2018

ትማሊ ኣብ ከተማ ፓሌርሞ ኣብ ዝዋዓለ መጋበእያ ናይ መድሃኔ ተስፋማርያም ዓቀብቲ ሕጊ ጥልያን ንምስክርነት ሰባት ከዋድቁን ነገር መሊሶም ክጠማምዙን ምውዓሎም ተሓቢሩ። ክቡራት ኤርትራውያን! ሰበስልጣን ጥልያን ብምስግጋር ሰባት ንዝደልዩዎ መድሃኔ፡መርእድ ዝሓዙዎ፡መሲልዎም ብኣሳላጥነት ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንግዳይ መድሃኔ ተስፋማርያም ጅሆ ሒዞም ካብ ዝቕይድዎ እንሆ ዓመቱ ኣሕሊፉ። ንሓቀኛ መንነት መድሃኔ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ኩለንትናዊ ጻዕሪ ቤተሰብ፡ ኣዕሩኽን ግዱሳት ኤርትራውያንን ኩሉ ጸማም እዝኒ ተዋሂቡዎ እቲ ጉዳይ ናብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃ ወዲቑ ይርከብ። ንሕና ኣብ ስደት ንርከብ ኤርትራውያን በዚ ኣጋጣሚ ኣብዚ ጉዳይ ንዘለና ቅሬታ ክንገልጽን ንምፍታሕ መድሃኔ ክንጽውዕን ነዚ መልእኽቲ ነዳሉ ኣለና። ዝምልከቶም ኣካላት ጌግኦም ብምእማን ብዘይቅድመ ኩነት ንግዳይ መድሃኔ ክፈትሑዎ፡ ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ምግሃስ መሰል ኩለንትናዊ ካሕሳ ክወሃቦን ከም ሓታቲ ዑቕባ ኩሉ መሰላቱ ክሕለወሉን በዚ ኣጋጣሚ ደጊምና ንጽውዕ።ብተወሳኺ ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ሊንክ ምጥዋቕ ኣብቲ ዝተዳለወ ፔቲሽን ክትመልኡ ንላቦ። https://www.ipetitions.com/petition/plea-for-release-of-medhanie-tesfamariam-berhe

https://youtu.be/z2Y9i6gmPzE

Monday, 1 January 2018

Man of The Year 2017 HAJJI MUSSA MOHAMMEDNUR



ጂግና ኣቦና ሓጂ ሙሳ


ዓርቢ 20 ጥቅምቲ 2017፡ ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ንሓጂ ሙሳ መሓመድኑርን ከባቢ 20 ዝኾኑ ካልኦትን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከተማ ኣስመራ ኣሲሮም። ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር፡ ዳይሬክተር ቦርድ እስላማዊት ቤት ትምህርቲ ኣል-ዲያእ እዩ። እዛ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ግሊ ኮማዊት ቤት ትምህርቲ ኮይና፡ ኣብ 1960ታት ብኡስታዝ መሓመድ በሺር ኣሕመድ ተመስሪታ። ሓጂ ሙሳ፡ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋን ፕረሲደንት ቦርድ እታ ቤት ትምህርትን ኮይኖም፡ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ናይ ግሊ ቤት ትምህርታት ብቅሉዕ ዝነጸጉ እዮም።




ቅድሚ ምእሳሮም ቅድሚ ገለ መዓልታት፡ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ህዝቢ ኣብ ቀጽሪ እታ ቤት ትምህርቲ ብሓጂ ሙሳን ካልኦት ኣባላት ቦርድን፡ ብምኽንያት ነታ ቤት ትምህርቲ ብመንግስቲ ዝግበር ዝነበረ ናይ ምውራስ ፈተነታት መግለጺ ክወሃቦም ተኣኪቦም ኔሮም። ኩሎም ኣባላት ቦርድ እታ ቤት ትምህርትን ህዝብን ነቲ ምፍትታናት መንግስቲ ብምንጻግ፡ ነታ ትካል ብጉልበትን ንዋትን ከም ዝከላኸሉላ ቃል ኣትዮም። ሓጂ ሙሳ በቲ ከም ዕድሚኦም ዝበጽሐ ክጻወሮ ዘይክእል ኣሰቃቂ ኩነታት ቤት ማእሰርቲ ክሓሙ ከለዉ፡ መንግስቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍትሑን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ክጸንሑ ኣዚዙ። ሓለቃ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንሓጂ ሙሳ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ናይ መንግስቲ ምስ ሓበሮም፡ ሓጂ ሙሳ፡ ኩሎም በዚ ጉዳይ ምስኦም ዝተኣስሩ ከይተፈትሑ፡ ንበይኖም ካብ ቤት ማእሰርቲ ተወር ከም ዘይብሉ፡ ብምግላጽ ነቲ ውሳኔ ነጺጎሞ።

መስረቲ ቤት ትምህርቲ ዲያእ

ቤት ትምህርቲ ዲያእ



ሓጂ ሙሳ፡ “ንሬሳይ ንበይኑ ካብዚ ተሰኪምካ ከተውጽኦ እንተዘይኮይኑ፡ ብህይወተይ ከለኹ ንበይነይ ካብዚ ኣይወጽእን እየ።” ብምባል ዕጭ ሓንፊፎም። ናይ ሓጂ ሙሳ ተባዕ እምቢታ ኣንጻር ዘይፍትሓውነት፡ ንኩሎም ደለይቲ ሰናይ ኤርትራውያን ብተራእዩ ዘይፈልጥ ኣገባብ ዘነቃቅሐ ተግባር እዩ። እዚ ኣብነታዊ ንመሰሎምን ንመሰል ዜጋታት ኤርትራን ዘርኣይዎ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ፡ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘበራትዐ እዩ። ምእሳሮምን ንዑኡ ዝሰዓበ ሰለማዊ ሰልፍን ንቃልሲ ኤርትራውያን ኣንጻር ምልክን ዘይፍትሓውነትን ከም ነጥበ መቀይሮ ኮይኑ ኣሎ። Awate.com ንሓጂ ሙሳ መሓመድኑር “ጅግና ናይ 2017” ኢልና ክንሰምዮም ሓበን ይስመዓና።
https://www.youtube.com/watch?v=-YqFAVH3JlU&t=12shttps://www.youtube.com/watch?v=-YqFAVH3JlU&t=12s