https://youtu.be/vum-9IRn3pE#Eritrea#Ethiopia#Tigray#AANMEDIA መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዲያስፖራ እንነብር ኤርትራውያን ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን ኩነታት ሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን: ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ኩናት፣ ደንበ ተቃውሞ ብሰሪ ብኩራት ናይ ርእይቶ ሓድነት ቃልሱ ከማእዝን ኣብዘይ ከኣለሉ እዋን፣መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ንኹሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘዛቲ ባይታ(platform) ኮይኑ ዝሓሽ መድረኽ ሃገራዊ ቃልሲ ብዘተን ምርድዳእን ንምፍጣር ዝዓለመ: ብጉዱሳት ኤርትራውያን ወልቀሰባት ዝተወስደ ተብግሶ ኢዩ። ኤርትራውያን ብጀካ እቲ ምእንቲ ፍትሒ ንምንጋስን ልዕልና-ሕጊ ንምስፋን እነካይዶ ቃልሲ፣ ክልእ ብግዳማውያን ሓይልታት ዝተሃንደሱ ብድሆታት ዕንቅፋት ኮይኖሞ ኣለው፣ ብቀንዱ ንስነ ልቦና ኤርትራዊ ይኹን ንመነንቱ ዝፋታተኑ ዝተፋላይለዮ መጻወድያታት ተጻዊዶም ምህላዉ ኩሉና ንግንዞቦ ሓቂ ኢዩ። እዚኦም መጻወድያታት እዚእቶም ንቃልስና ኣዝዩም ዓንቃፍትን ጎዳእትን ጥራይ ዘይኮኑስ ጸረ ልዕላውነት ሃገርና እውን እዮም። እዚ ተርእዮ ድማ ልዕሊ ሰርዓት ህግድፍ ንኤርትራዊ ሓድነትን ሕድሕድ መትእማማን ኣዝዩ ፈታኒ ኮይኑ ምህላዉ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ዩ ድማ ክሳብ ሕጂ ከዕወተና ዘኽእል ሓያል ወዳቤ ከነጥሪ ዘይተኻእለ። መሰረታዊ ሕቶ ቃልስና ምትካል ሃገራዊ ቅዋምን ህዝባዊ መንግስትን ከም ሙዃኑ መጠን ፣ኣብ ናኣሽቱ ባህላውን፣ማሕበራውን፣ ሕብረተ-ሰብኣዊን ኣቕዋም ሰረት ዝገበረ ቃልሲ ነቲ ሃገራዊ ስነ ልቦና ጎዳእን መራዝን ኣብ ርእሲ ምኻኑ ንመሰረታዊ ሕቶና ሓቀኛ ሚዛን እውን ኣይህቦን። እዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ሃገራዊ መቆምያ ሰረት ዝገበረ ህዝባዊ ቃልሲ ንምስልሳልን ንምዕዋትን „መን ኢዩ ሃገራዊ?“ ንዝብል ሕቶ ንምርዳእ ንምምላስን፣ ከም መዛተዩ ሓሳባት እዞም ስዕቡ ነጥበታት ነቕርብ:- ንክዉንቲ ሉኡላዊት ሃገር ኤርትራ ዝኣምንን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱን ኤርትራዊ ዜጋ። ምእንቲ ነጻን ሉኡላዊት ሃገር ኤርትራ ዝተገብረ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ( ሰለማውን ብረታውን): ከሙኡ‘ውን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ መስዋእቲ ዘኽብር። ታሪኻዊ ረፈርንድም ኤርትራ (1993) ዝቕበል። ንውሑስ ሰላም መጻኢ ወሎዶታት ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ሕጋዊ ከለላ ክግብር ዝቃለስ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ተቓላሳይ ፡ ሰርዓት ህግደፍ ከም ዓማጺ ፖሊትካዊ ሓይሊ እምበር ፍሉይ መለለዩ ኣውራጃ ብሄር ወይ ውን ሃይማኖት ከም ዘይብሉ ዝርዳእ። ስርዓት ህግድፍ ኣብ መላእ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ማዕረ ሙኻኑ ዝኣምን። ካብዚ ረዲኢት ተብጊሱ ውን ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ሕበረተ-ሰብ ኤርትራ ዘይጎስይን ዘይንጽለን ምስ ዝኸውን። ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲ ንውህደት ኤርትራዊ ሓይሊ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ዝጽዕር። ለውጢ ብኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘለዉ ኤርትራዊ ዓቅሚ ኣዋሃሂዱ ከዕውት ዝጾዕር፡ ምትእትታው ዝኾነ ይኩን ገዳማዊ ሓይሊ ዘወግድ። ጸላኢ ምንጻር! እዚ ማለት ወልቀ መላኺ ምስቶም ዉሑዳት ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ቀንዲ ጸላእቲ ጌርካ ምቕማጥ፣ ምስ ህግድፍ ዘሎ ህዝቢ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ሙኻኑ ምእማን: ተርባሒ ለውጢ ሙኻኑ ኣእሚንካ ንፍትሓዊ ቃልሲ ክስለፍ ምጽዓር። ሰራዊት ኤርትራ ኣካል ውጹዕ ህዝብና ሙኻኑ መርዳእ፣ ብተወሳኺ ብዘይ ጻማ ንነዊሕ ዓመታት ስለ ሃገር ጆሆ ተታሒዙ ብምጽንሑ፣ ብውሑዱ ክብሪ ክዋሃቦ ፣ ከሙኡ‘ውን ንስለ ቅዋምን ፍትሕን : ንስለ ህዝቡን ደው ክብል ምጽዓር። ከም ሃገራውያን ተቓለስቲ ድሕሪ ለውጢ ነዚ ብዘይ ጻማ ንሃገርና ዋሕስ ዘኾነ ሰራዊት: ከምቲ ኣብ እዋን ናጽነት ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዝተራኣየ ተርእዮ ከየጋጥም ኣቐዲምካ ምሕሳብ። # ኣብ ትገራይ ዘካየድ ዘሎ ኲናት ኣሳቢብካ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝግበር ጸለመ ይኹን ኣነዋሪ ጸርፍታት ብትሪ ዝኹንን። ሃገራዊ ተቓላሳይ ዝኾነ ይኹን ጉጀላኣዊ ኣትሓሳስባት ዘይቅበል ክኸውን ይግባእ። ሕሉፍ ታሪኽ ከይድገም ናይ ረብሓን ስልጣንን ጉጅለታት ቀንዲ ጸረ ሕበረተ-ሰብ ሓይልታት ሙኻኖም ክርዳእ ይግባእ። ፖሊትካዊ ዲሞክራሳዊ መስል ኣብ ተሕቲ ሃገራዊ ሕጊ ዝራጋግጽ ሙኻኑ ምግንዛብ። ሃገራዊ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ብኩሉ ዝካኣሎ ዓቕሙ ውፉይ (committed) ክኸውን ይግባእ። ዛጊት ትግራይን ወያነን መንጠሪ ናይ ቃልሲ ባይታና ኣይኮነን ኢሉ ዝኣምን Join this channel to get access to perks: https://www.youtube.com/channel/UCdtycQv7-W8TQJ_EE5YnvWg/join
No comments:
Post a Comment