https://youtu.be/xxW1rh-50Rkህዝቢ ኤርትራ ንዘመናት ብጎበጥቲ ዝተዓመጸን ኣንጻር ጎበጣን መግዛእትን ልዑል ዋጋ ከፊሉ ልዑላውነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ እዩ። ነዚ ቃልሲ ዝሕላገቱ ገድልን መስገደልን ዝሳዓረ ህዝቢ ንሱ ዘይደልዮ ወይ ንህላውነቱን ቀጻልነቱን ኣብ ሓደጋ ዘእትው ለውጢ ክቕበሎ ወይ ክርዕመሉ'ዩ ኢልካ ምሕላም ክንዮ ሓሳብ ታሪኻዊ ስሕተትን ገበንን ካብ ምዃን ኣይሓልፍን። ህዝቢ ኤርትራ ብውልቀ መላኺ ንኽንድዚ ዓመታት ተቖሪኑ ዝርከብ ሰኒፉ ወይ ተዳኺሙ ዘይኮነስ ንዕኡን ድልየታቱን ማእከል ዝገበረ ናይ ቃልሲ መሪሕ ሓሳባት ስለዘይረኸበ እዩ። ከምቲ ሸውሃትካ ንምዕጋብ እትገብሮ ናይ መግብታት ለውጢ፥ ናይ ስልጣን ጥሙሕነትካ ንምርዋይ ናይ ስርዓታት ለውጢ እንድሕር ተቐድም ኮይንካ ህዝቢ ኣይዓስለካን ል፥ ብተዛማዲ ነቲ ዘሎ ስቓይን መከራ ህዝቢ ጥራይ ኢኻ ከተናውሕ እትኽእል። እምበአርከስ ኣብ ኤርትራ ሰላም: ፍትሒ: ማዕርነትን ብልጽግናን ጋህዲ ንክኸውን እቲ እንኮ ተሪፉና ዘሎ መንገዲ ዓወት "ድልየት ህዝቢ ዘማእከለ ለውጢ" ብግብሪ ምስናይ እዩ። ኤርትራውነት ኣብ ቅድሚት ሰሪዕካ ካብ ኣጉል ቅርሕንትን ምትህልላኽን ናጻ ኮይንካ ህዝባዊ ድልየት ንምዕዋት ኣብ ዝሓለነ ሰሚናር ክትሳተፉን ሃገራዊ ግብእኩምን ክትፍጽሙ ብኽብሪ ትዕደሙ። #Eritrea#Ethiopia#Tigray#AANMEDIA Join this channel to get access to perks: https://www.youtube.com/channel/UCdtycQv7-W8TQJ_EE5YnvWg/join
No comments:
Post a Comment