
https://youtu.be/35nJnWHK0EM#Eritrea#Ethiopia#Tigray#AANMEDA #OnenationEritrea #ዋን #ኔሽን #ዝሰገሮም #መሰናኽላትን ንየማንካ ንጸጋምካ ንላዕሊ ንታሕቲ ትዕዘብ ትጥምት እንታይ ኢና ንገብር ዘለና? ጽባሕ ንግሆ እቲ ኣባይ ምስ ተአልየ እንታይ እዩ ዓስብና? ምስ በዓል መን ንምንታይ ዕላማ እዩ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ? ዝብሉ ሕቶታት ጊዜኦም ሓልዮም ኣብ ኣእምሮኻ ክወርዱ ክድይቡ ምጅማሮም ዘይተርፍ እዩ። ነንዝሰራሕካዮን ዝሰለምካዮን ዳስ ሓርነት ብዕስለ ተወዳዲቦም ብምምጻእ ኣብ ገዛእ ዳስካን ውራይካን ንሶም ወለደኛ ንስኻ ከም ዕዱም ጋሻ ዕድመ ኣጽሒፍካ ክትፋኖ ዝገብሩ ጠራሮ ቃልሲ የሐው ይኽደነና እዩ ዘብል። ድምጾም ንኸድምጹ ብመጒልሒ ድምጽኻ ዘባራበርካዮም ንመጒልሒ ድምጽኻ መንጢሎም ድምጽኻ ካብ ዝዓብሱ ከታሮ ይኽደነና ጥራይ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ከይፈተኻ ንዘንተ እለት እትውንኖ ዳስን መጒልሒ ድምጽን ሃሰው ክትብል ኢኻ ትግደድ። ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ከም ዝበልዎ ሓደ ንማዕርነት እቲ ካልእ ንዓብላልነት ዝቃለሱ ጉጅለታት ሓቢሮም ክቃለሱ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ። ስርዓት ኢሰያስ ዓብላሊ ግዳማዊ መልክዑ ብባንዴራን ሕብራዊ ቀለማትን ሃገራዊ ምስሊ ተወቂጡ ብናይ ዕስለ ፖለቲካ ሞተር ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ብተመሳሳሊ ሓላው ሪጋ ናይ ዕስለ ፖለቲካ ንምትክኡ ምስ ዝተጠጅኤ ሕልሚ ከተሳሲ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ቀዳማይከ ስሕታን ካልአይከ ዕብዳን ድዩ ተባሂሉ ሓቀይ፥ ብዕስለ ፖለቲካ ኣብ ዝተላዕጠጠ ደገፍን ተቓውሞን ፖለቲካ ኣብ ታኼላታቲም ንኸይትአቱ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ። መቸም ፈቲና ጸሊእና ኩላትና ዘንበርናዮም ሸቶታት ንምጭባጥ እምበር ንጽድቂ ከምዘይንቃለስ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝአትው ኣይኮነን። ብሓቂ ኢሰያስ ጥራይ ድዩ ጸገምን ሽግርን ህዝቢ ኤርትራ? ኢሰያስ እንድሕር ተአልዩ'ኸ ኩሉ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ተቐንጢጡ ክእለይ ድዩ? ንባዕሉ ኢሰያስ ኢሰያስ ኮይኑ ድዩ ተፈጢሩስ ዋላስ ኢሰያስ ውጽኢት ህዝቢ ኤርትራ'ዩ? እንድሕር ውጽኢት ናትና ናይ ባዕላትና ኮይኑኸ ንኢሰያስ ዝፈጠረ ምዕሪት (equation) እንታይ ዝሓዘለ እዩ? ሰክታርያን/ ወገናዊ ፖለቲካ (ሃይማኖታዊ፡ ብሄራዊ፡ ኣውራጃዊ) ፥ ትሑት ደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰብ ፥ ህርፋን ናጽነት ዝፈጠሮ ክቱር እምነት ፥ ኣብ ሰውራ ዘኻዕበቶ እኩብ ድምር ገባቲ ኣተሓሳስባ ፥ ሕምቀትን ስንፍናን መዛንኡ ወዘተ ኮታስ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ቀራን ተዋጋኢት ላም ናብ ተካል ሰበይቲ ኮይኑ እዩ ዝጸንሓካ። እቲ ቀንድን መሰረታውን ሕላገት ሓቀኛ ቃልሲ #ሰላም #ፍትሒ #ልዕልና #ሕጊ ንምርግጋጽ እዩ። እዚ ቁዱስ ዕላማ ካብ ውሽጢ ዓዲ ብዝነቱግ ህዝቢዊ ባርዕ ዝረጋገጽ እኳ እንተኾነ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና ነዚ ህዝባዊ ባርዕ ናይ ምሽርጣጥ ዓቕሚ ብግቡእ ክጥቀመሉ ኣይከአለን። እቲ ቀንዲ ጸገም ድማ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሃገራዊ ኣጀንዳ ብዝተሰረተ ክልሰ ሓሳብ ተማእዚዙ ኣይፈልጥን እዩ። ዋን ኔሽን እምበአርከስ ነዚ ሃጓፍ ክሽፍን ኢሉ ዝተበገሰ ሓሳብ እምበር ናይ ፖለቲካ ትካል ወይ ውድብ ኣይኮነን። ዋን ኔሽን ብግስ ከይበለ እዩ ብድሆታት ገጢሞሞ። ዘይተጸበናዮም ኣይነበሩን እቶም ዝተረብረቡልና እሾኻት ናይ ጉዕዞ። ከም ኣመጻጽእኦም ክንምክቶም ምዃንና ሕሉፍ ተሞክሮና ሚሂሩና እዩ። ነዚ ምንቅስቓስ ንምምራሕ ልዕሊ እቶም መራሕቱ ኮይንካን በቒዕካን ክትርከብ ይጥለብ እምበር ንስለ ሰናይ ግብሪ ዝወሰድናዮ ምትካእ መሪሕነት ዋጋ ኣኽፊሉና ዘይኮነስ ዳርጋ ኣጥፊኡና ኔሩ እዩ። ዋን ኔሽን ዝል ኢልካ ክትአትዎ ብዝጥዕም እምበር ከም ድላይካ ክትዝውሮ ብዝከአል ምህንድስና ኣይተመስረተን። ረዚን ሃገራዊ ሓሳባት ብቐሊሉ ክምህ ዘይብሉ ብላይክ፡ ዓሽን ኮሸምሸምን ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘይሰኽሩ፥ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዝተላበሱ ኣማእዘንቲ ስለ ዝእለይ ኣብ ዋን ኔሽን ተጸምቢርካ ጸዓት ክትፈጥር እምበር ብርሃን ክትሰርቕ ስለዘይከአል ክንደይ መጺኦም ክንደይ'ውን ሓሊፎም ክንሶም ዋን ኔሽን ጎማ ከየንፈሰ ንቕድሚት ይሕንበብ ኣሎ። ዋን ኔሽን ሓሙሽተ ሰባት ሒዙ ተሪፉ ክብሉ ንሓሙሽተ ዓመት ዝገዓሩ ኣለው፥ ዋን ኔሽን ሓሳብ እምበር ፖለቲካዊ ውድብ ዘይምዃኑ ዘይተሰወጦም። እዚ ሓሳባት ብዘይቀልባዕባዕ ብመትከል እንዳሓደረ ይዓብይ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘወን ኢልካ ከተረጋግጾ ይከአል። ዋን ኔሽን ነዚ ኣብ ዓቕሚ ኤርትራዊ ዝምርኮስ ዘይጽግዕተኛ ሃገራዊ ሓሳባት ከዕብዮ እምበር ገቢቱ ናብ ውልቃዊ ረብሕኡ ከውዕሉ ጥሙሕነት የብሉን። ሓደገኛ እውን እዩ ንህዝባዊ ሓሳባት ፖለቲካዊ ትካል ሰሪሕካ ክትግብቶ ምህቃን። እቲ ኣብ 2010ታት ተበጊሱ ዝነበረ ናይ ኤርትራዊ መንእሰይ ህዝባዊ ዓመጽ ንምግባቱ ዝተገብረ ፍሹል ውዲትን ውጺኢቱን ንዋን ኔሽን ዓቢ ትምህርቲ እዩ። መን ብኸመይ ይምራሓዮ ብዘየገድስ ንናይ ዋን ኔሽን ሓሳባት ኣብ ጽባሕ ኤርትራ ደው ኢሉ ክምጉት ዝኽእል ሓሳባት ፈጺሙ ከምዘይርከብ ጊዜ ክምልሶ እዩ። ነዚ ንህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ቅዱስ ሃገራዊ ዕላማ ኣብ ሸትኡ ንኽበጽሕ ወዲ ሃገር ህድእ ርግእ ልዝብ ኢሉ ክዋሳእ ይግባእ። ኢሰያስ እንተስ ብሓይሊ ህዝቢ እንተስ ብሕጊ ተፈጥሮ ክኸይድ እዩ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንጸላልው ዘሎ ደመና ናብ ረብሓ ህዝቢ ንኽሰርብ ናይ ምግባሩ ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ስጋብ ዝኾነ ካብ ደጋፋይ ተቓዋማይ ዝብሉዎም ናይ ምትፍናንን ጥፍአትን ድፋዓት ወጺእና ብሓደ ድምጺ ኣብ ሃገራዊ ዕርቅን ሕድገትን፥ ሰላማዊ ምስግጋር ህዝባዊ ስልጣን፥ ቅዋምን ልዕልና ሕግን ክንዓስል ይግባእ። ብዙሕ ዝደልይ ሓንቲ ነይረክብ ከም ዝበሃል ብደውና ምሕላም ኣወንዚፍና ሕልምና ሕልሚ ኤርትራውያን ንግበሮ ስቓይ ህዝብና ንኽሓጽር። ነዚ ንመርገጻጺታቱ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትው፥ ብጊዜያዊ ታህዲድን ሆይሆይታን ዘይደናበር፥ ኣርሒቑ ዝጥምት፥ ፈጺሙ ዘይጭወ ዘይምንዛዕ፥ ንትኳቦ ባዕዳዊ ለውጢ ዘየቋምት፥ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝምርኮስ ምንቅስቓስ ሓደ ካብ መስረቱን መራሕቱን ምዃነይ ወትሩ የሕብነኒ። #ሰለሙን #ገብረእየሱስ #ዋን #ኔሽን #ኤርትራ 14 ለካቲት 2022ዓ.ም
No comments:
Post a Comment